'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዳርፉር ክገድድ ይኽእል'ዩ' ኣመሪካዊ ሰነተር

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ብሰንኪ ጌጋ ሰበ-ስልጣን ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣብ ትግራይ ጥምየት: ገበናት ጸረሰብኣውነትን ምጥፋእ ዓሌትን ይፍጸም ኣሎ ዝበለ ደሞክራት ሰነተር ፓትሪክ ለሂ፥ ግፍዕታትን ምኽልካል ረድኤትን ከብቅዕ ከምኡ ድማ ግጭታት ብሰላም ክፍትሑ እጽውዕ ኢሉ።

ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ብዘሕዝን ደረጃ ንግፍዕታት ተቓሊዑ'ሎ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት መንገድታት ይዕጸዎ'ሎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብገበን ዝሕተቱ ናብ ፍትሒ ከቕርብ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር መንግስትና ጸዊዑ'ዩ ዝበለ ሰነተር ለሂ፥ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ንዝኣተዎ ቃል ብምኽባር ቀልጢፉ ሰራዊቱ ናብ ግዝኣቱ ክመልስ ኣለዎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ክልል ትግራይ ንሚልዮናት ሰባት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ከምዝርከብን፡ ንተሓተቲ ገበናት ድማ ናብ ፍትሒ የቕርብ ከምዘሎን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ'ውን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ዩ።